ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ምስራሕ
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ነጺግዎ፣ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ። ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ። ከምኡ ኣይትገብርን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዲኻ እትመርጽ? ስለዚ ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ኣይፍቀደልካን እዩ። ከምዚ ኮይኑ እናሃልወ ክትሰርሕ እንተድኣ ፈቲንካ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምዝመዛን ደቂ-ሰባት ናይ ምዃን ዓቢይ ሓደጋ ኣለካ።
ስራሕን ናይ ስራሕ ውዕልን ኣለካ ድዩ?
ናይ ዑቕባ ፍቓድካ ኣብ ዝተነጽገሉ እዋን ትሰርሕ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ እውን ናይ ስራሕ ውዕል ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣስራሒኻ ውዕልካ ከቋርጾ ይኽእል እዩ። ዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ተነጺጉ ኣስራሒኻ ደጊም ክቖጽረካ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ሽዕኡ ደጊም ክትሰርሕ ስለዘይፍቀደልካ እዩ።
ብዙሕ ግዜ ብዘይ ውዕል ትሰርሕ
መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ዝቖጽሩ ኣስራሕቲ ኣለዉ። እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ስራሕ ውዕል ኣይወሃበካን እዩ። ኣስራሕቲ ነዚ ዝገብሩሉ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ብሰንኪ ምቑጻሮም ልዑል መቕጻዕቲ ናይ ምቕባል ተኽእሎኦም ንኽንክይ ምእንቲ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ሰብ ምቑጻር ኣይፍቀድን እዩ።
ናይ ስራሕ ውዕል ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣብ
ናይ ስራሕ ውዕል የብልካን ድዩ? ዋላ ውዕል እንተዘይብልካ እውን ነቶም ንስራሕካ ዝምልከቱ ኣብ CAO ዝርከቡ ኩሎም ናይ ዕዮ ቅድመ-ኩነታት ክትረክብ መሰል ኣለካ። ይኹን እምበር ውዕል እንተዘይብልካ፣ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት፣ ናይ ዕረፍቲ ክፍሊትን፣ መሰል ናይ ሕማም ፍቓድ ብኲራትን ካብ ኣስራሒኻ ክትረክብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት ነዚ ካብኦም ምሕታት እውን ተመራጺ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ዋላ እኳ መሰል እንተሃለወካ። እቲ ኣስራሒ ካብ ስራሕ ከባርረካ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ወይ ምኽሪ የድልየካ ድዩ? ኩሉ ግዜ ናብ ከም በዓል ቀይሕ መስቀል፣ CoMensha፣ ከምኡ እውን Fairwork ዝኣመሰሉ ውድባት ክትውከስ ትኽእል ኢኻ (ኣብዚ ታሕቲ ተመልከት)።
ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ምስራሕ ከቢድ እዩ
ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ምስራሕ ከቢድ እዩ። ኩሉ ግዜ ናይ ስራሕ መርትዖ ስለዘይብልካ ድማ መሰልካ ክትጥቀመሉ ከጸግመካ ይኽእል እዩ። ነቲ ተቓላዓይ ዝኾነ ቦታኻ ክምዝምዝዎ ዝፍትኑ ኣስራሕቲ እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባትን ምዝመዛን ተጠንቀቕ። ሓደ ኣስራሒ ብዘይሕጋዊ ትነብር ምህላውካ ክሕብር ምዃኑ ከፈራርሓካ እውን ይኽእል እዩ።
ምስ እትሰርሕ እንታይ ስግኣት ይህልወካ?
ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ምስ እትሰርሕ ንስኻ ከም ሰራሕተኛ ዘይኮነስ ኣስራሒኻ እዩ ዝቕጻዕ። ናይ ብሕቲ ኣስራሒ ወይ ኣባል ስድራ-ቤት እውን ክቕጻዕ ይኽእል እዩ። ትኽፈል ምዃንካን ዘይምዃንካን ዘምጽኦ ፍልልይ ድማ የለን።
ናይ ስራሕ ውዕል ምስ ዘይህልወካ እውን ከም ሰራሕተኛ መሰል ኣለካ
ኣብ ዝኾነ ቦታ ትሰርሕ ዲኻ፣ ግን ከኣ ናይ ስራሕ ውዕል የብልካን ድዩ? ስለዚ ገና ከም ሰራሕተኛ መሰል ኣለካ። ምስ ኣስራሒኻ ብቐጻሊ ከም እትሰርሕ (ወይ ከም ዝሰራሕካ) ከተርእይ እንተኽኢልካ፣ እዚ ከም ናይ ስራሕ ውዕል ክቑጸር እውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ንእትሰርሓሉ ጽላት ዝምልከት ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ (CAO) ዝርከቡ ስምምዓት ብዝምልከት እውን መሰል ኣለካ።
ብዛዕባ ሰዓታት ስራሕ፣ ንዝተወሰነ ዕማም ስራሕ ዝኸውን ደሞዝ፣ መሰል ናይ ዕረፍቲ መዓልታትን፣ ምስ እትሓምም ክፍሊት ምቕባል ምቕጻልን ዝምልከቱ ስምምዓት ከም ኣብነት ክትሓስብ ትኽእል። ዋላ ናይ ወረቐት ውዕል ዘይፈረምካ ምስ እትኸውን ከይተረፈ እውን። ምስ ኣስራሒኻ ንኽንደይ ግዜ ከም ዝሰራሕካ መረጋገጺ ከተቕርብ እንተዘይክኢልካ ድማ ን6 ኣዋርሕ ከም ዝሰራሕካ ይግመት።
ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ወይ ምዝመዛ
ኣብ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ኣይፍቀደልካን እዩ። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ክሰርሑ ዝደልዩ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምዝመዛን ደቂ-ሰባት ናይ ምዃን ዓቢይ ሓደጋ ኣለዎም።
ኮይኑ ግን ከም ሰራሕተኛ መጠን ሓይለ-ኣልቦ ኣይኮንካን። ኣብ ኔዘርላንድ ብኣስራሒኻ ትምዝመዝ እንተድኣ ኮይንካ ክሕግዛኻ ዝኽእላ ሓያሎ ዝተፈላለያ ውድባት ኣለዋ። ንገለ ካብዘን ውድባት ኣብዚ ገጽ ክትረኽበን ትኽእል ኢኻ።
CoMensha
ማእከል ምውህሃድ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት (CoMensha)፣ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምዝመዛን ዝሰርሕ ውድብ እዩ። ግዳይ ናይዚ ዲኻ? ብመንገዲ ቁጽሪ ተሌፎን (033) 448 11 86 ምስ CoMensha ርክብ ግበር። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 09፡00 ክሳብ 17፡00 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።
FairWork
FairWork ንረብሓ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምዝመዛን ደቂ-ሰባት ኣብ ኔዘርላንድ ዝሕለቕ እዩ። ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ወይ ምዝመዛ ጉልበት እየ ኢልካ ትሕስብ ዲኻ? ይምዝመዝ ዘለኹ ምዃነይ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል ኢልካ ትሓስብ ዲኻ? ስለዚ FairWork ብ18 ቋንቋታት ይሕግዘካ እዩ። ተወሳኺ ኣብ
ቀይሕ መስቀል ይሕግዝ
ቀይሕ መስቀል መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ብዛዕባ ከም በዓል ሕጋዊ ደገፍ፣ ክንክን ጥዕናን መጽለልን ዝኣመሰሉ ናይ ከባቢ ኣገልግሎታት ሓበሬታ ብምሃብ ይሕግዝ። ቀይሕ መስቀል እንታይ ክገብረልካ ከምዝኽእል ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ቀይሕ መስቀል ክትረኽብ ትኽእል ኢኻ።