ሓደ ሰብኣይ ኣብ ክሽነ እናሰርሐ።
ምንጪ፡ Shutterstock
ንጥፈት

ኣብ እዋን ነጻ ዕዳጋ-ዕዮ ሓድሽ ስራሕ ድለይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 23/1/2025 7:53 ድ.ቀ.

ኣብ ረቡዕ 29 ጥሪ 2025 ዝካየድ ነጻ ዕዳጋ-ዕዮ፣ ስራሕ ንምርካብ ዕድላት ክህብ እዩ። እቲ ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ 'Johan Cruijff Arena' እዩ ዝካየድ። ብዙሓት ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ዝደልያ ትካላት ድማ ናብኡ ክመጽኣ እየን። ኣብቲ ዕዳጋ-ዕዮ ንምስታፍ ምዝገባ ግዴታ እዩ።

ኣብ እዋን ዕዳጋ-ዕዮ ስራሕ ድለይ

ኣብቲ ዕዳጋ-ዕዮ፣ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ምስ ዝደልያ ትካላት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። መን ይፈልጥ ሓድሽ ስራሕ ትረክብ ትኸውን። ንኣብነት እዘን ትካላት፡ IKEA፣ Philips፣ Hilton፣ Mariott International ከምኡ እውን KFC ኣብኡ ክርከባ እየን። ብዙሓት ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮ እውን ኣብኡ ክርከባ እየን፣ ኣብኣተን ድማ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ዕዳጋ-ዕዮ ሲቪኻ ከተገምግምን፣ ምናልባት ከተመሓይሽን እውን ትኽእል ኢኻ።

ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ኣምስተርዳም

እቲ ዕዳጋ-ዕዮ ረቡዕ 29 ጥሪ ካብ ሰዓት 10፡00 ክሳብ 16፡00 ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ 'Johan Cruyff Arena' እዩ ክካየድ። ምስ መጻእካ ኣብ መእተዊ E ክትሕብር ኣለካ። 'Johan Cruyff Arena' ብዘይካ ብመኪና፣ ብባቡር (ኢንተርሲቲን ስፕሪንተርን)፣ ኣውቶቡስ (መስመራት 120፣ 300፣ 375፣ 376፣ 41) ከምኡ እውን ብመስመራት ሜትሮ 50ን 54ን ብቐሊሉ ክትበጽሖ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መደበር ባቡር ወይ ሜትሮ 'Amsterdam Bijlmer Arena' ወይ ኣብ 'Strandvliet' ክትወርድ ኣለካ። ካብኡ ድማ ሒደት ኣማኢት ሜትሮታት ብእግሪ ተጓዒዝካ ይርከብ።

ኣብዚ ዕዳጋ-ዕዮ ንምስታፍ ኣቐዲምካ ክትምዝገብ ኣለካ

ትካላት መን ምዃንካ፣ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትደልይን፣ ኣየኖት ቋንቋታት ከም እትዛረብን ምእንቲ ክፈልጣ ኣቐዲምካ ክትምዝገብ ኣለካ። ብመንገዲ ውድብ Indeed ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ


ነዚ ንጥፈት ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር